- Details
- Category: ዜና/ሓበሬታ
ኩሉኹም ናይ ወደ መዝሙር ትምህርቲ ክትካፈሉ ዝጸናሕኩም፡ ካልኣይ ክፋል ናይ ወደ መዝሙር ትምህርቲ ክቅጽል ስለ ዝኾነ፡ ንዕለት 18/08/2014 ሰዓት 6:30 ኣብ ኣደራሽ ቤተክርስትያን ንኽትርከቡ ብትሕትና ንሕብረኩም።
- Details
- Category: ዜና/ሓበሬታ
ኩሉኹም መራሕቲ ናይ ኣባይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዕለት 18/08/2014 ንዓኹም ዝምልከት ኣኼባ ስለዘሎ፡ ሰዓት 7:00 ድ.ቀ. ኣብ ኣደራሽ ቤተክርስትያን ንኽትርከቡ ብትሕትና ንሕብረኩም።
- Details
- Category: ዜና/ሓበሬታ
ቤተክርስትያን ነቲ “ንኣምላኽ ዝበቅዕ ህዝቢ ምድላው” ዝብል ራኢኣ ንምፍጻም፡ ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ኣትኲራ ትዓዪ ኣላ። ነቲ ብሞትን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ብቕዓት፡ ከነግህዶ እንተደኣ ኾይንና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ክንምገቦን ክንመሃሮን ኣሎና። ፍረ ናይቲ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ መግቢ ድማ እዩ፡ ነቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኮይንና ክንመላለስ ዘኽእለና። ከምቲ ቃል ኣምላኽ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ” ዝብል፡ እቲ ምጥፋእ ንዘይኣመንቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣሚኖም ኣብ ድንቁርና ዝመላለሱ እንተላይ እዩ። ስለዚ ሰብ ናብ ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ሚዛናውን ጥዑይን ምህሮ እንተደኣ ረኺቡ፡ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕብየት የርኢ፡ ናብ ጽውዓኡ ድማ ይበጽሕ። ብኣንጻሩ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብ መንፈሳዊ ቁልዕነትን፡ ስጋውነትን ይነብር። በዚ ምኽንያት ብርሃን ወንጌል ሕብረት ቤተክርስትያን ኣብ ጁባ፡ ዝዓበየ ሓይላ ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ጌራቶ ትርከብ።
- Details
- Category: ዜና/ሓበሬታ
ማሕበራዊ ህይወትና፡ ነጸብራቕ ናይ መንፈሳዊ ህይወትና እዩ። ብምኽንያት ምስ ጎይታ ዘሎና ትቡቕ ሕብረት እንፈርዮም ፍረ መንፈስ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና እዮም ዝንጸባረቑ። ክርስትናና ኣብ ኣደራሽ ቤተክርስትያን ተጀሚሩ ዝውዳኣ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና ዝንጸባረቕ ቅዲ ህይወት እዩ። ስለዚ መዐቀኒ ብስለት ናይ ሓደ ክርስትያን እቲ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዘንጸባርቖ ፍረ መንፈስ እዩ። ንሱ ድማ “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቅሪ፡ ሓጎስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ።” ገላ5፡22። በዚ ምኽንያት ብርሃን ወንጌል ሕብረት ቤተክርስትያን ኣብ ጁባ፡ ክርስትያናት ኣሕዋት ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም፡ እዚ ፍረ ሒዞም ክመላለሱ፡ ኣፍረይቲ ዜጋታት ክኾኑ፡ ብናብራኦም ድማ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ዝማርኹ ጥዑም ሽቶ ክኾኑ፡ ኩሉ ጊዜ ትምህርን ተተባብዕን።